Wednesday 6 December 2017

ትብፃሕ ናብ ሙሁራትን ሰብ ሃፍትን ትግራይ - በሓቂ ድኹማት ኢና..!
  1. እቶም ሎሚ ኣምሪርና ንነቕፎም ዘለና ናይ ስድሳታት ወለዶ ኣብ ኣፍሪካ ዝዓበየ ሰራዊት ምስ ዝወነነ መንግስቲ ገጢምካ ለውጢ ክመፅእ ይከኣል እዩ ኢሎም ኣሚኖም ተቓሊሶምስ ዝበሉዎ ድማ ሓቂ ኮይኑስ ኢትዮጵያ ብሓዱሽ ፖለቲካዊ ቕዲ ንኽትከይድ ገይሮምዋ። እሞ ድማ ብዝሒ ሙሁርን ገንዘባዊ ዓቕሚን ኣብ ዘይነበረሉ እዋን። ኣብቲ ዝተኻየደ ብረታዊ ቓልሲ ኣብ ዝተፈላለዩ ውድባትን ደርግን ተሰሊፎም ሓደ ብሓደ ብህዝቢ ትግራይ ዝተስዓሩ ሓይሊታት ብቲ ዝመጽአ ለውጢ ሑጉሳት ከምዘይኮኑን ቃልሶም ብኻልእ መልክዕ ከምዘካይዱን ብንጉሁኡ ምእዋጆም ኩሉ ዝፈልጦ ጉዳይ እዩ። ቂሞም ዘወራርዱሉ ኣብ ኢዶም ዝተረፎም መሳርሒ ድማ ናይ ትምህርቲ ዓቕሚን ቴክኖሎጂን ተጠቒምካ ኣንፃር ህዝቢ ትግራይ ዘይቋርፅ ናይ ጸለመ ጎስጓስ ምክያድን ናይ ኢትዮጵያ ህዝቢ ብስሚዒት ኣለዓዒልካ ናይ ፅልኣት ተሓባባሪኦም ምግባርን እዩ። እዚ ብዝተወሰን መልክዑ ተሳኺዑሎም እዩ እንተበልኩ ምግናን ኣይኮነን። እንተነኣሰ ኢትዮጵያ ብናይ ተጋሩ ልዕልና ትግዛእ ዘላን ህዝቢ ትግራይ ድማ ፍሉይ ተጠቃሚ ናይዚ ስርዓትን ከምዝኾና ገይሩ ዝተረድአ ተራ ዜጋ ውሑድ ኣይኮነን። ኣባላት ኢህወዴግ ዝኾኑ ከም ብኣዴንን ኦህዴድን’ኳስ ናይ ትግራይ ልዕልና ኣሎ ኢሎም ኣሚኖም፣ ኣእሚኖም ህዝቢ ኣለዓዒሎምሉስ ውጺኢቱ ድማ ካብ ናይ ፀለመ ፕሮፓጋንዳ ናብ ኣካላዊ ጥቕዓት ክሰጋገር ኪኢሉ።    

  • ናይ ሀዚ ትግራዋይ ወለዶ ብዝሒ ሙሁር፣ ገንዘባዊ ዓቕሚ፣ ቴክኖሎጂ ብፍላይ ድማ ኢንተርኔትን ሞባይል ስልኪን ወናኒ እንዳሃለወ ኣብ ልዕሊኡን ህዝቡን ዝወርድ ፕሮፓጋንዳዊን ኣካላዊን ጥቕዓት ብዘድምዕ ኣገባብ ምቅላስ ከመይ ኢሉ ኣቢዎ? እዞም ከም ህዝቢ ክንጠፍእ ዝበየኑልና ሓይሊታ ኩሉ ዓይነት መሳርሒ (ኢሳት ቴለቪዝን፣ ሎሚውን መንግስታዊ መራኸቢ ሓፋሽ እንተይተረፈ ጨዊዮም) ገይሮም ቐትሪን ለይትን እንትዝምቱና ዝወነንናዮ ናይ ትምህርቲ፣ ገንዘባዊ ዓቕሚ፣ ቴክኖሎጂን ካልኦት ዕድላትን ተጠቒሚና ንዚ ዘይቋርፅ ሽርሒ ብብቕዓት ምምካት ከመይ ኢሉ ይኣብየና? ዕስለ ወታሃደራት ነበር እንተይተረፉ ጸሓፍትን ጋዜጠኛታትን ኮይኖም ኣንፃር ሕሉፍ ታሪኹን ህልውንኡ ቐትሪን ለይትን ተይተሓለሉ እንትሰርሑ ሙሁር ትግራይ ዓቕሙ ኣበይ ኣተወ? ሃፍታም ትግራይ ኢዱ መን ኣሰሮ?

  • እንተነኣሰ ሓደ ተወዳዳሪ ዝኾነ ቴሌቪዥን ምጥያሽ ከመይ ኢሉ ኣቢዩና? ምሸት ምሸት ፎቖዶ እንዳ መስተ ብኣሽሓት ክተጥፍእ ዘይሰሳዕኻስ እታ ዝነኣሰት ክፋል ሃፍትኻን ፍልጠትካን ዘላቒ ውሕስና ህዝብኻ ናብ ዘሕይለልካ ከምዚኦም ዓይነት ጉዳያት ዘይተውዕሎ እንታይ ኣዕዊሩካ? ብስሩባ እንታይ እስካብ ንኸውን ኢና ንዝጽበ ዘለና? ኩሉ ገዲፍካ እታ ዝነኣሰት ንሕሰብ፤ ኣብ ወፃኢ ዘሎ ኩሉ ትግራዋይ ኣብ ወርሒ 5 ዶላር፣ ኣብ ዓዲ ዝነብር ኩሉ ሙሁር ኣብ ወርሒ 30 ቅርሺ፣ ኣብ ዓዲ ዝነብር ኩሉ ሃፍታም ትግራዋይ ወርሓዊ 200 ቅርሺ እንተዝውፊ እኮ ሓደ ትርጉም ዘለዎ ነፃ ሚዲያ ምኽፋት ምተኽኣለ። ሓገርን ህዝቢን ንምጥፍእኳ እንተየቋረጹ ዝውፍዩ ዘለዉ..! እዞም ሕቶታት ሙሁር ትግራይን ኣብዚ ስርዓት ዝተፈጠረ ዕድላት ተጠቒሙ ኣብ ሃገሩ ሰሪሑ ሃፍቲ ዘፍረየን ትግራዋይ ክምልሶም ዘለዎ ኣገዳስቲ ሕቶታት እዮም። ሃገር ኣብ ሓደጋ ተወዲቓ ቐንዲ ተጎዳኢን ከሳሪን እቲ ሙሁርን ሰብ ሃፍቲን እዮም። ድኻ ድኣ ኣይነበሮ ኣይጠፍኦ። እሞ ኣንቱም ሰባት ዘረባን መረረትን እንተበዝሐ ዋጋ የብሉን። ናብ ተግባር (Action) ምስግጋር ጥራይ እዩ ዘድሊ። 
  • እዛ መልእኽቲ Share ንምግባርውን ዶ ወነ ንስእን ንኸውን

ትብፃሕ ናብ ሙሁራትን ሰብ ሃፍትን ትግራይ - በሓቂ ድኹማት ኢና..!

No comments: