Wednesday 23 August 2017

Tewo Berhan     ምክሪ አበይ ስብሐት · 
ነዚ ስዒቡ ኣብዚ ሰሙን ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝቐነናሉ እዋን ተጋዳላይ ስብሓት ነጋ ካብቲ ዘለዎ ዝተፃበበ ናይ ስራሕ እዋን ቀኒሱ ኣብቲ እዋናዊ ኩነታት ሃገርና መሰረት ብምግባር ዝተወሰኑ ሓበሬታት ሂቡና ነይሩ፡፡ ነቲ ድምር ኣካይዳና ኣዝዩ ወሳኒ እዩ ኢለ ስለዝሓሰብኩ ከምዘለዎ ከካፍለኩም፡፡
ኹነታት ዓድና ብ ኣንደበት ኣቦይ ስብሓት
ኣብ መፃኢ ጉዕዞና እንተስ ብእወንታ እንተስ ብኣሉታ ወሰናይ ተራ ክፃወቱ ዝኽእሉ ኣብ ሃገርና ዘንፀላለዉ ኣርባዕተ ፖለቲካዊ ሰልፍታት፣
*****************************************************************************************
ሃገርና ካብ ዝኾነ እዋን ብዝኸፍአ መልክዑ ኣብ ዓብዪ ፖለቲካዊ ውጥረት ከምዘላ ንማንም ግልፂ እዩ፡፡ ስለዝኾነ እውን ካብዚ ከምዚ ዝበለ ኩነታት ንምውፃእ /ብርግፅ እውን ክውፃእ እዩ/ ካብ ኩሉ እዋን ዝተፈለየ ቃልሰን ስራሕን ከምዘድሊ እሙን እዩ፡፡
ነዚ ስዒቡ ኣብዚ ሰሙን ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝቐነናሉ እዋን ተጋዳላይ ስብሓት ነጋ ካብቲ ዘለዎ ዝተፃበበ ናይ ስራሕ እዋን ቀኒሱ ኣብቲ እዋናዊ ኩነታት ሃገርና መሰረት ብምግባር ዝተወሰኑ ሓበሬታት ሂቡና ነይሩ፡፡ ነቲ ድምር ኣካይዳና ኣዝዩ ወሳኒ እዩ ኢለ ስለዝሓሰብኩ ከምዘለዎ ከካፍለኩም፡፡
ኣርባዕተ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ሃገርና፣
****************************
1/ ኣብ ኢትዮጵያ መንግስቲ ንምውዳቕ /state failure/ ንኸጋጥም ለይትን ቀትርን ዝሰርሑ ሓይልታት፡፡ እዚኦም ብዋናነት መንግስቲ ሻዕብያን ግብፅን ዝመርሕዎ ኮይኑ ናይቲ ግምባር መሳሰይቲ ጉንበት - 7ን ኦነግን /ብፍላይ እኒ ጆሃር መሓመድ/ ይርከብዎ፡፡ ናይዚ ሓይሊ ቀንዲ ተልእኾ እቲ ዝተገለፀ ኮይኑ መወዳእቱ ወያነ ዘይብላ ኢትዮጵያ ምፍጣር እዩ፡፡ ነዚ እዩ ድማ ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተጀመረን ሕዚ እውን ዝቕፅል ዘሎን ኣብ ህወሓትን ህዘቢ ትግራይን ኣነፃፂሮም ዝሰርሑ ዘለዉ፡፡
UNCONSCIOUSLY /ነቲ ኩነታት ብዝግባእ ልቢ ስለዘይበልዎ/ ዓረና፣ ኣብ ትግራይ ኮይኖም ኣግኣዝያን ግዛዕ ዝብሉ ሓይልታት፥ ንትግራይ ብዞባን ኣውራጃን ክኸፋፍሉ ዝውዕሉ ገለ ናይ ትግራይ ኣብ ፌስቡክ ዝነጥፉ ሓይልታትን መፅሄት ሰርጌን እውን ኣብዚ ምድብ ዝምደቡ ሓይልታት ኮይኖም አለው፡፡ ኣብዚ ልቢ ንበል! እዚኦም ነቲ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ንዝፍሓስ ዘሎ ውዲት ሰኣን ምስትውዓል መሳርሒ ይኾኑ ኣለዉ እምበር ብባህሪኦም ናይዚ ዕላማ ደገፍቲን በሃግትን ከምዘይኮኑ ምርዳእ የድሊ፡፡
2/ እቲ ካልኣይ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ስግግር መንግስቲ ክምስረት ዝደልዩ ሓይልታት እዮም፡፡ እዚኦም ብገለ ሓይልታት ኒዮ ሊብራል ምዕራባውያን ዝምራሕ ኮይኑ ድኹም /ንኣኣቶም ዝለኣኣኽ/ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንክፍጠር ባህጊ ዘለዎም እዮም፡፡ እዞም ሓይልታት ብመንፅር ናይ ባዕሎም ረብሓ መንግስቲ ዘይብላ ዓውዲ ኣሸበርቲ ዝኾነት ኢትዮጵያ ንክትፍጠር ኣይደልዩን፡፡ እንታይ ደኣስ ከምድላዮም ዝዝውርዎ ዘዝበልዋ ዝሰምዕ ላእላውነቱን ረብሕኡን ባዕሉ ንምሕላው ዘይኽእል፣ ብናይ ባዕሉ ፖሊስን ስትራተጅን ክምራሕ ድፍረትን ስብእናን ዘይብሉ ሰነፍን ናቶም ሓገዝ ዘድልዮ መንግስቲ ክፍጠር እዮም ዝሰርሑ፡፡ እዚ ንክኸውን ዝተፈላለዩ ፅዕንቶታት ይፈጥሩ፤ ምስ ኩሎም ፀረ ሰላም ዝኾኑ ሓይልታት ግምባር ፈጢሮም ይሰርሑ፤ ንኩሎም ፀረ ኢትዮጵያ ዝኾኑ ሓይልታት ብገንዘብ ኮነ ብሓሳብ ይሕግዙ፤ የስልጥኑ፡፡
እዞም ኣብ ቁፅሪ ሓደን ክልተን ዝተገለፁ ሓይልታት ድኽመት እቲ ውድብን መንግስትን ተበሊፆም ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ተፈጢሩ ንዝነበረ ዕግርግር እቲ ባህጎም ክኸውን እዩ ኢሎም ደምዲሞም ነይሮም እዮም፡፡ ሕዚ እውን ንምንታይ እቲ ባህጎም ዘይተዓወተ ዝብል ሰፊሕ ገምጋም ኣካይዶም ይሰርሑ ዘለዉ ሓይልታት እዮም፡፡ ብቐፃሊ እውን ካብዚ ስራሕ ይወፁ እዮም ኢልካ ኣይግመትን፡፡ ናይዚኦም ባህጊ ክሰምር ዝኽእል ውድብን መንግስትን ድኽመታቱ ገምጊሙ መሰረታዊ ፍታሕ እንተዘይኣምፂኡ ጥራሕ እዩ፡፡
3/ ኣብ ውሽጢ ውድብን መንግስትን ኮይኑ ሕዚ ፅቡቕ ኢና ዘለና፤ እንታይ ጎዲሉና ዝብል ሓይሊ እዩ፡፡ እዚ ሓይሊ ብመሰረቱ እቲ ውድብ፣ መንግስትን ህዝብን ዝሃቦ ሓላፍነት ንውልቀ ረብሕኡ ዘውዕል ዘሎ ኮይኑ ካብታ ዘለዋ ሓላፍነትን ረብሓን ክወርድ ዘይደሊ እዩ፡፡ እዚ ነቲ መድረኽ ዝጠልቦ ዘሎ ናይ ለውጢ ገምጋም ዘይቕበል ስቕ ኢሉ ክቕፅል ዝደሊ እዩ፡፡ እዚ ሓይሊ እውን ብኣሰላልፍኡ እንተሪኢናዮ ኢሉኢሉ ምስተቶም ኣብ ቁፅሪ ሓደን ክልተን ዝተጠቐሱ ሓይልታት ክምደብ ዝኽእል እዩ፡፡ ምኽንያቱ በቲ ሕዚ ዘለናዮ ኩነታት እንተቐፂልና ኣብዚ ሃገር ሓደጋ ካብ ምፍጣሩ ዓዲ ኣይውዕልን፡፡ ይፍጠር እውን ኣሎ፡፡
4/ እቲ ራብዓይ ሓይሊ እውን ኣብ ውሽጢ ውድብን መንግስትን ዝርከብ ሓይሊ ኮይኑ ሕዚ ውድብ ኣብ ዝኸፍአ ኩነታት ኢና ዘለና ስለዚ ድማ መሰረታዊ ለውጢ የድልየና እዩ ዝብል ብዕምቆት ናይ ምሕዳስ ሓይሊ እዩ፡፡ ዙርያ መለሽ ድኽመታት ኣለውና፤ ነዚኦም ብዕምቆት ገምጊምና ምስዝምልከቶም ሰባት እውን ኣላጊብና ኣብ ጉዕዞና መሰረታዊ ዝላ ነመዝግብ እዩ ዝብል፡፡ እዚ እንተዘይኮይኑ ግን እዛ ሃገር ከም ሃገር ክትብታተንን ናብ ሕድሕድ ኲናት እውን ክንኣቱን ንኽእል ኢና ኢሉ እዩ ዝኣምን፡፡
እዚ ሐሳብ ከምዘለዎ እንተካፍለኩም ገለ ዘይሕጎሱ ሓይልታትን ውልቀ ሰባትን ከም ዝህልዉ ይግንዘብ እየ፡፡ ዝኾነ ኮይኑ ግን ነቲ ዘሎ ኩነታት ተረዲኢና ነታ እንፈትዋ ክልልና፣ ውድብናን ሃገርናን ምድሓን እዩ ዝበልፅ ኢለ ዝሓሰብኩ ነዚ ፈሊጥና መዓልታዊ ኣሰላልፋናን ምንቅስቓሳትናን ክነመዓራሪ እታ ዘላቶ ዝደርበየ ፈራሕ ኣይብሃልን ከምዝብሃል ነታ ዘላትኒ ደርብየ ኣለኹ፡፡
ኢትዮጵያ ንዘለኣለም ትንበር፡፡

No comments: